ትምህርቲ ኣገዳሲ እዩ! ኣብ ላቲቭያ ዝነብር ነብሲ ወከፍ ሰብ ናይ ምምሃር መሰል ኣለዎ። ትምህርቲ ንዓኻ ኮነ ንድቅኻ ዝደለኽምዎን ምስ ሞያኹምን ክእለታትኩምን ዝዛመድ ስራሕ ንምርካብ ይሕግዝ።
ኩሎም ቆልዑ መሰረታውን ካልኣይ ብርክን ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ውሑዳት ፖለቲካዊ ፅግዕተኛታት፣ ስደተኛታትን ግዚያዊ ፅግዕተኛታትን ብኦፊሲዮላዊ (መንግስታዊ) ቋንቋ ወይ ትካላት ትምህርቲ ቤት ከተማ ማዘጋጃ ይመሃሩ።
መውዓሊ ህፃናትን ማእኸል መሐብሐቢ ህፃናትን
እንተተኻኢሉ ካብ ካብ 1.5 ክሳብ 5 ዝዕድሚአመ ህፃናት ናብ መውዓሊ ህፃናት ኣምፅእዎም። እዚ እቶም ህፃናት ዕብየት ከርእዩ፣ ምስ ደቂ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ህፃውንቲ ምሕዝነት ክምስርቱ ወይ መሓዙት ከፍርዩን ብዝተፈላለዩ ፀወታታት ኣቢሎም ቋንቋ ክመሃሩን ይሕግዝ። ደቅኻ ነቲ ቋንቋ ብዝመለኽዎ ቁፅሪ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዝወሃብ ትምህርቲ ብቀሊሉ ይርደኦም።
- ፍቃድ ስደተኛነት ወይ ግዚያዊ ፅግዕተኛነት ምስ ረኸብካ ደቅኻ ዝመሃርሉ ዕድል ንምንዳይ ምስ ቤት ከተማ ማዘጋጃ ወይ ሓደ መውዓሊ ህፃናት ተራኸብ።
- ብዝተኸኣለ መጠን ደቅኻ ኣብ መውዓሊ ህፃናት ክተምህር ድልየት ከምዘለካ ንዝምልከቶ ብቅልጡፍ ሓብር። ኣብ ዝዓበየ ከተማ ላቲቭያ ዝርከቡ መውዓሊ ህፃናት ቤት ከተማ ማዘጋጃ ተመዝጊብካ ምፅባይ ስለዘሎ ድቅኻ ምስ ተወለዱ ብቅልጡፍ ክተመዝግብ ንመኽረካ።
- ትምህርቲ ቅድመ-ቀዳማይ ብርኪ ካብ 5 ዓመት ዕድመ ጀሚሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ነቶም ህፃናት ንስሩዕ ትምህረቲ እኹል ምድላው ንኽገብሩ ይሕግዝ። ወለዲ ደም ናብ መውዓሊ ህፃናት ልኢኾም ክመሃሩ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም።
መሰረታዊ ትምህርቲ
- ኣብ ላቲቭያ ዝነብሩ ኩሎም ቆልዑ መሰረታዊ ትምህርቲ ክረኽቡ ግድን እዩ። መሰረታዊ ትምህርቲ ካብ ክፍሊ 1 ክሳብ ክፍሊ 9 ወይ ክሳብ 18 ዓመት ዕድመ ኣብ ዘሎ ብምቅፃል ይካየድ።
- መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ቀዳማይ ብርክን ካልኣይ ብርክን ኣብያተ ትምህርቲ ይወሃብ። ውሰን ክፋል መሰረታዊ ትምህርቲ ቀዳማይ ክፋል ኣብ ዝህባ ፍሉያት ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ (ክፍሊ 1-4 ወይ 1-6 ) ይወሃብ።
- ዓበይቲ እውን ብምሽታዊ ወይ ብርሕቀት ትምህርቲ ፕሮግራማት ኣቢሎም መሰረታዊ ትምህርቲ ክመሃሩ ይኽእሉ እዩ። ብዛዕባ ከምዚ ዝበሉ ፕሮግራማት ዝህባ ኣብ Riga ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሓበሬታ ካብ ትምህርቲ ፣ ባህሊ፣ ኣብ Krisjana Valdemara iela 5; ቁፅሪ ስልኪ 67026678; 67026816 ካብ ዝርከብ ቤት ምኽሪ ክፍሊ ስፖርቲ ከተማ Riga ምርካብ ይከኣል። ኣብ ካሊእ ከተማ ላቲቭያ ትነብር እንተኾይንካ ንቤት ከተማ ማዘጋጃ ብምሕታት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።
- ቤት ትምህርቲ ንተምሃሮ መምሃሪ መፅሓፍ ይዕድል። ወለዲ እውን ዓቅሞም ክንዲ ዝኸኣሎ ንደቆም ከም ናውቲ ፅሕፈት፣ መስኣሊ ሕብራዊ ርሳሳት፣ ክዳውንቲ፣ ዩኒፎርም ጫማ ወዘተ የማልእሎም።
- ደቅኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንምምዝጋብ ምእንቲ ክሕግዘካ ንማሕበራዊ ኣማኻሪ ሕተቶ።
- መብዛሕትኡ እዋን፣ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ምርካብ ግዴታ እዩ። ካብዞም ሰነዳት ወለዲ ዝፅሕፍዎ ደብዳበ (ማመልከቻ) ፣ ሕሉፋት ወይ ቅዱማት ሰነዳት ትምህርቲ፣ ናይ ቆልዑ ፓስፖርት ወይ ዕለት ልደት ዝገልፅ ሰርተፊኬት፣ ናይ ወለዲ መለለይ መንነት፣ ሕክመናዊ ሰነድ እቲ ቆልዓ ዝኣምሰሉ ይርከብዎም።
- ውሉድካ ቅድም ክብል ይመሃር እንተነይሩ ኮይኑ ግን ዝመሃር ከምዝነበረ ዝገልፅ ሰነድ እንተዘየለ፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ደረጃ ክፍሊ እቲ ቆልዓ ይውስን።
- ውሉድካ ቋንቋ ላቲቭያ ዘይዛረብ እንተኾይኑ፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ተወሳኺ ትምህርቲ ቋንቋ ላቲቭያ ብምድላው ይምህሮ።
ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ
ድሕሪ ምዝዛም መሰረታዊ ትምህርቲ ናብ ቀፂሉ ዘሎ ብርኪ ትምህርቲ ምቅፃል ኣገዳሲ ዝበሃል ኣይኮነን። ነገር ግን ኣብ ምቁፃር ዕዳጋ ሓይሊ ሰብ ተወዳዳራይ ኰይንካ ንምቅራብ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምቅፃል ኣድላይ እዩ። መሰረታዊ ትምህርቲ ከምዘጠናቐቅካ ዝገልፅ ሰርተፊኬት እንተለካ፣ ካልኣይ ብርኪ ወይ ትምክርቲ ቴክኒክን ሞያን ክትከታተል ትኽእል።
- እትመሃረሉ ከተማ፣ ቤት ትምህርቲ ወይ ቦታ ክትቅፅሎ ዝደለኻዮ ትምህርቲ ብናፃ ክትመርፅ ትኽእል ኢኻ።
- ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ዝኾነ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ይህብ። እዚ ፕሮግራም ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውድታት ትኹረት ዝተኸፋፈለ እዩ። ሓፈሻዊ ኮርስታት፣ ኮርስ ኣርትን ሕብረተሰብ ሳይንስ፣ ሒሳብ፣ ተፈጥሮ ሳይንስ፣ን ቴክኖሎጂን፣ ቴክኒክን ሞያን እዮም። ኣብ ካልኣይ ብርኪ ተማሂርካ ምስ ወዳእኻ ናብ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ክትቅፅል ትኽእል።
- ትምህርቲ ቴክኒክን ሞያን እንተመሪፅካ፣ ሞያ ክትጭብጥ ኢኻ። ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ትምህርቲ ቴክኒክን ሞያን ጎና ጎኒ ኮርስታት ቴክኒክን ሞያን ሓፈሻዊ ትምህርቲ እውን ይህቡ እዮም። ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ኣብያተ ትምህርቲ ድሕሪ ምምራቅ ወይ ኣብ ዝመረፅካዮ ትሰርሕ ወይ ድማ ትምህርትኻ ትቅፅል።
- ቴኒክን ሞያን ካልኣይ ብርኪ ምተምሃርካ፣ ብዝመረፅካዮ ዘፈረ ሞያ ንምምሃር ኣብ ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ብምምዝጋብ ክተፅንዕ ትኽእል።
ላዕለዋይ ብርኪ ትምህርቲ
ሓፈሻዊ ወይ ቴክኒክን ሞያን ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛም፣ ከምህረካ ዝኽእል ገንዘባዊ ድጋፍ እንተረኺብካ ወይ እንተለካ ኣብ ትካል ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትመሃር ትኽእል። ኣብ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ብኣካዳሚያዊ ወይ ሞያዊ ትምህርቲ ብቀዳማይ ዲግሪ፣ ካልኣይ (ማስተር) ወይ ሳልሳይ ዲግሪ (ዶክትሬት) ክተፅንዕ ይከኣል እዩ።
- ብላቲቭያ ዝነብሩ ወፃእተኛታት ፣ንስደተኛታትን ግዚያዊ ፅግዕተኛታትን ሓዊሱ፣ ንመምሃሪ ዝግባእ ክፍሊት ከፊሎም ኣብ ላቲቭያ ኣብ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክመሃሩ ይኽእሉ።
- ፕሮግራማት ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብኢንግሊዘኛ እውን ይወሃብ እዩ።
ትምህርቲ ኣባፅሕ
ኣብ ላቲቭያ፣ ዓበይቲ ሓዱሽ ሞያ ክመልኩ ወይ ትምህርቶም ምእንቲ ክውድኡ ተባሂሉ ክመሃሩ ይኽእሉ።
- ዓበይቲ ከም መናእሰይ ተመሳሰሊ ዓይነት ትምህርቲ ክመሃሩ ይኽእሉ። ኣብ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ፣ ኣብ ቴክኒክን ሞያን፣ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ፣ ወይ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ክመሃሩ ይኽእሉ።
- ቀዳማይ ብርኪ ወይ ካልኣይ ብርኪ ናይ ምምሃር ድልየት ንዘለዎም ዓበይቲ ናይ ምሸት ትምህርቲ ኣሎ ። ኣብዚ ፕሮግራም ትምህርቲ ብቀንዱ ኣብ ምሸት ይወሃብ። አዚ ዓበይቲ ኣብ ቀትሪ እናሰርሑ ምሸት ክመሃሩ ዕድል ይፈጥረሎም።
- መሰረታውን ካልኣይ ብርኪ ትምህርትን ብርሕቀት ትምህርቲ ኣቢልካ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ኣብ ገዛኻ ወይ ካሊእ ዝምቹ ቦታ ብምዃን ብኦን ላየን ወይ ብኤልክትሮኒክ ሚድያ ዝወሃቡ ኮርስታት ክትከታተል ትኽእል ማለት እዩ።
- ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምሸታዊ፣ ብቀዳመ ሰናብትን ብርሕቀትን ዝተፈላለዩ ትምህርቲ ወይ ኮርስታት ይህባ እየን።
- ዓበይቲ ወይ ኣባፅሕ ብዝተፈላለዩ ዘይመደበኛ ኮርስታት ኣቢሎም ተወሳኺ ፍልጠት ከኻዕብቱ ይኽእሉ። ንኣብነት፣ ኮርስታት ተምህርቲ ቋንቋ፣ ክሸና፣ ትምህርቲ ስፖርት ወይ ሳዕስዒት ኣብ ዘይመደበኛ ትምህርቲ ዝወሃቡ ኮርስታት እዮም። ብኣብዝሓ፣ ነዞም ኮርስታት ንምምሃር መምሃሪ ክፍሊት ክትከፍል ይግባእ። ይኹን ድኣምበር፣ ገለ ውሱናት ኮርስታት ካብ ክፍሊ ናፃ እዮም።
- ኣብ SEA ዝተመዝገብካ ስራሕ ኣልቦ እንተኾይንካ፣ ሓዱሽ ሞያ ክትጭብጥ ዘኽእሉኻ ወይ ኣብ ሞያኻ ተወሳኺ ፍልጠት ንኽትቀስም ዘኽእሉ ኮርስታት ክትመሃር ትኽእል። እዞም ኮርስታት ብግደኦም ኣብ ዕደጋ ሓይሊ ሰብ ተወዳዳራይ ንምዃን ይሕግዙኻ።
ኣፍልጦ ቅዱማት ደረጃ ትምህርትኻ
ኣብ ካሊእ ዓዲ ከምዝተምሃርካ ዝገልፁ ሰነዳት ትምህርቲ እንተለዉኻ፣ እዞም ሰነዳት ኣፍልጦ ክረኽቡ ይግባእ። እዚ ኣብ ዕደጋ ሓይሊ ሰብ ዝህልወካ ተወዳዳራይነት ኣብ ምልዓልን ትምህርቲ ኣብ ምቅፃልን ይሕግዘካ። ዘለካ ደረጃ ትምህርቲ ግቡእ ኣፍልጦ ክረክብ ምስ ማእኸል ሓበሬታ ኣካዳሚ (Academic Information Centre) ተራኸብ። ኣድራሻ፦
Academic Information Centre (ማእኸል ሓበሬታ ኣካዳሚ)
Dzirnavu iela 16, 3rd Floor, Riga
ቁፅሪ ስልኪ: 67225155
ኢሜይል: aic@aic.lv