ኣብ ላቲቭያ ናይ ስደተኛነት ወይ ግዚያዊ ፅግዕተኛነት ፍቓድ እንተረኺብካን ከንብረካ ዝኽእል ኣታዊ እንተዘይብልካ ኣብዚ ዓዲ ሓዱሽ ህይወት ንምንባር ዝሕግዝ ማሕበራዊ ደገፍ ይፍቀደካ እዩ።
ስደተኛታትን ግዚያዊ ፅግዕተኛታትን መሰረታዊ ወፃኢታቶም ንምሽፋን ዝወሃብ ኣበል
እዚ ክፍሊት መሰረታዊ ወፃኢታትካ ንምሽፋን ክሕግዘካ ተባሂሉ ንዝተወሰነ ግዜ ዝኽፈለካ ፋይናንሳዊ ኣበል እዩ። ንስደተኛ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ዝኣክል ኣበል እንትኽፈሎ ንግዚያዊ ፅግዕተኛ ድማ ካብ ድማ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ዝኣክል ኣበል ይኽፈሎ። እዚ ግዚያዊ ፅግዕተኛነት ካብ ዝፍቀደሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ኣብዘሎ ግዜ ይጠቃለል። ኣብ ላቲቭያ ስራሕ እንተጀሚርካ ግን ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ካብ ሰለስተ ኣዋርሕ ንዘይዛይድ ጥራይ ኣበልካን ደሞወዝካን ጎና ጎኒ ይኽፈለካ።
ኣበል ዝወሃበካ ስራሕ ዘይትሰርሕ እንተኾይንካ፣ ኣብ SEA እንተተመዝጊብካ፣ ስራሕ ኣልቦ ወይ ስራሕ ኣብ ምድላይ ከምዘለኻ ዝገልፅ መረዳእታ እንተለካን ስራሕ ኣልቦ ወይ ደላይ ስራሕ ክሰርሖም ዝግባእ ተግባራት እንተፈፂምካን ቋንቋ ላቲቭያ ትመሃር እንተኾይንካን እዩ ።
እዚ ኣበል ንትሕቲ ዕድመ (ቆልዑ) ይኽፈል እዩ። ነዚ ንምርካብ ሓደ ካብ ወለዲ ወይ ሕጋዊ ተወካሊ ከመልክቱ ግድን እዩ። ድሕሪ ምምልካት ድማ ዝግባእ ክፍሊ ይወሃቦም።
መጠን ዝወሃብ ኣበል ፦
- ንዓበይቲ በብወርሑ – EUR 139.00 ፣
- ንሰብኣይን ሰበይትን ድማ ሓዲኦም በብወርሑ EUR 139.00 ይኽፈል፣ እቲ ካሊእ ድማ በብወርሑ EUR 97.00 ይኽፈል።
- ትሕቲ ዕድመ ንዝኾኑ ሰብ (ቆልዓ) ድማ በብወርሑ EUR 97.00 ይኽፈል
ብመንግስቲ ዝወሃብ ማሕበራዊ ኣበል
መንግስቲ ንዝተወሰኑ ክፋላት መሕበረሰብ ወይ ኩነታት ህይወት (ንኣብነት ቆልዑ ዘለዎም ቤተሰባት፣ ዝተፈላለየ ጉድኣት ኣካል ዘለዎ ሰባት) ገንዘባዊ ሓገዝ ንምሃብ ማሕበራዊ ኣበል መንግስቲ ኣጣይሱ እዩ።
ማሕበራዊ ክፍሊት | ፅግዕተኛታት ፖለቲካዊ | ግዝያዊ ፅግዕተኛታት | ስደተኛታት |
---|---|---|---|
ንቤተሰብ ዝወሃብ ደገፍ | ኣይፍቀድን | ኣይፍቀድን | ይፍቀድ |
ጉዱእ ኣካል ዝኾነ ቆልዓ ንዝለዎ ቤተሰብ ዝወሃብ ተወሳኺ መንግስታዊ ክፍሊት | ኣይፍቀድን | ኣይፍቀድን | ይፍቀድ |
ኣበል መከናኸኒ ቆልዓ | ኣይፍቀድን | ኣይፍቀድን | ይፍቀድ |
ቆልዓ ብምውላድ ዝወሃብ ኣበል | ኣይፍቀድን | ኣይፍቀድን | ይፍቀድ |
ኣበል መከናኺኒ ጉድኣት ኣካል ዘለዎ ቆልዓ | ኣይፍቀድን | ኣይፍቀድን | ይፍቀድ |
ደገፍ ማሕበራዊ ውሕስና መንግስቲ (ንጉድኣት ኣካል፣ ሽማግለን ወይ ካብ ሓደጋ ዝደሓኑ ዝወሃብ ሓገዝ) | ኣይፍቀድን | ኣይፍቀድን | ይፍቀድ |
ክንክን ንዘድልዮም ጉድኣት ኣካል ዝወሃብ ኣበል | ኣይፍቀድን | ኣይፍቀድን | ይፍቀድ |
ብመንግስቲ ዝወሃብ ኣበል ማሕበራዊ ውሕስና
ስራሕ ትሰርሕን ንማሕበራዊ ውሕስና ኣብ ዝግበር ኣበርክቶ ትኸፍል እንተኾይንካ፣ ብመነግስቲ ዝወሃብ ኣበል ማሕበራዊ ውሕስና ይፍቀደካ እዩ።
መደብ ማሕበራዊ ኢንሹራንስ መንግስቲ ፀገም ወይ ሓደጋ ንዘጋጠሞ፣ ስራሕ ዘይብሉ፣ ንዝሓመመ፣ ቅድመን ድሕረን ወሊድ፣ ዕድሚኡ ንጡሮታ ዝወፀ፣ ኣብ ስራሕ ዘጋጥም ሓደጋ ወይ ብሰንኪ ስራሕ ዝተፈጠረ ከቢድ ጥዕናዊ ፀገም፣ እናሰርሐ ዘማሓድር ዝነበረ ኣባል ቤተሰብ ብሞት ንዝተፈለዮም ኣባላትን ካልኦት ተመሳሳሊ ሽግራትን ንዘጋጠሞ ሰብ መከሓሓሲ ወፃኢኦም ዝኸውን ውሱን ኣታዊ ይኸፍል። መጠን ኣበል ማሕበራዊ ግልጋሎታት (ጥሮታ፣ ኣበልን ካሕሳን) ብውልቀን ብመሰረት እቲ ሰብ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝገብሮ ዝነበረ ኣበርክቶ ማሕበራዊ አንሹራንስ ይውሰን።
ተቆፀርቲ ሰራሕተኛታት – ስደተኛታትን ግዚያዊ ፅግዕተኛታትን እዞም ዝስዕቡ ኣበላት ንምውሳድ ዘኽእልዎም ኩሎም ኣገደስቲ ረቋሒታት እንተኣማሊኦም ክኽፈሉ ይኽእሉ። እቶም ኣበላት፦
- ስራሕ ኣልቦ ብምዃን ዝርከብ ሓገዝ፣
- ሓገዝ ሕማም ፣
- ሓገዝ ኣዶነት፣
- ሓገዝ ኣቦነት፣
- ኣበል ወላድነት፣
- ጥሮታ ሽምግልና፣
- ጥሮታ ጉድኣት ኣካል፣
- ጥሮታ ካብ ሓደጋ ሞት ዝተረፈ፣
- ብሰንኪ ኣብ ስራሕ ዘጋጠመ ሓደጋ ዓቅሚ ምስራሕ ንዝሰኣነን ከቢድ ጥዕናዊ ፀገም ንዘጋጠሞን ዝወሃብ ካሕሳ
ዝግበአካ ኣበል ንምውሳድ ናይ ይወሃበኒ ደብዳበ (ማመልከቻ) ናብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስና መንግስቲ ክተረክብ ግዴታ እዩ።
ብዛዕባ ዝፍቀዱ ዓይነታት ኣበልን መጠን እቲ ዝኽፈል ኣበልን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ State Social Insurance Agency. Informācija ir ይርከብ። እቲ ሓበሬታ ብቋንቋታት ላቲቭያ ፣ ኢንግሊዝን ራሽያ ን ዝተዳለወ እዩ።
ኢሜይል ምኽሪ ንምርካብ: konsultacijas@vsaa.lv
ብቤት ከተማ ማዘጋጃ ዝወሃብ ሓገዝ
እትነብረሉ ከባቢ እንተኣፍሊጥካ ካብ ማሕበራዊ ግልጋሎት እቲ እትሰፍረሉ ዘለኻ ከባቢ ማሕበራዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ማሕበራዊ ግልጋሎት ድማ ንስኻ እትሕገዘሉ ተኽእሎታትን መጠን ሓገዝን የፅንዕ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ቤት ከተማ ማዘጋጃ እትነብረሉ ከባቢ ምርካብ ይከኣል።
ብዛዕባ ብሰብ ስልጣን ቤት ከተማ ማዘጋጃ Riga (Riga municipal authorities) ዝወሃብ ማሕበራዊ ድጋፍ ብቋንቋታት ላቲቭያን ራሽያን ኣብ መርበብ ሓበሬታ Riga City Council Welfare Department ምርካብ ይከኣል። ናብ ናፃ ናይ ስልኪ መስመር 80005055 ብምድዋል እውን ዘድሊ ሓበሬታ ይርከብ እዩ።
ኣብ ዝኾነ ከተማ ላቲቭያ ነባሪ እንተኾይንካ ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝርከበሉ ከባብን ኣድራሻን ካብ መርበብ ሓበሬታ እትነብረሉ ከባቢ ድለ።
ግልጋሎታት ማሕበራዊ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ መኻርን
ፅግተኛታት ፖለቲካ፣ ስደተኛታትን ግዚያዊ ፅግዕተኛታትን ግልጋሎታት ማሕበራዊ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ መኻርን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።
ማሕበራዊ ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ መኸርትን ከም ኣማኸርትኻን ሓገዝትኻን ኮይኖም ዝሰርሑ እዮም። እዞም ኣካላት ንዓኻን ንቤተሰብካን ኣድላይ ዘበለ ምትሕብባር ይገብሩልካ፣ ምስ ሕብረተሰብ ላቲቭያ ክትፅምበርን ኣብ ላቲቭያ ተረጋጊዕካ ክትነብርን ይሕግዙኻ። ማሕበራዊ ሰራሕተኛታትን ማሕበራዊ መኸርትን ካብ ዝሕግዙኻ ተግባራት ኣብ ኤጀንሲ ቁፃር ስራሕን (SEA) ማሕበረሰባዊ ሕክምናን ክትምዝገብ ኣብ ምግባር፣ ሒሳብ ባንኪ ኣብ ምኽፋት፣ ዝካረ ገዛ ኣብ ምድላይን እትነብረሉ ከባቢ ኣብ ምፍላጥን ንዓኻን ንደቅኻን ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምፍናውን ፃዕሪ ይገብሩ።
ሓገዝ ኮነ ድጋፍ እንተደሊኻ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ንማሕበራዊ መኻሪ ከማኽሩኻ ሕተት።
ግልጋሎታት ማሕበራዊ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ መኻርን ናብ ላቲቭያ ካብ ዝኣተኻላ ወይ ኣፍልጦ ስደተኛነት ወይ ግዚያዊ ፅግዕተኛነት ክሳብ ዝውሃበካ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝወሃብ ግልጋሎት እዩ። ኣፍልጦ ስደተኛነት ወይ ግዚያዊ ፅግዕተኛነት ምስ ተውሃበካ ድማ ነዚ ግልጋሎት ንዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ዝኣክል ንኽትረክብ ይፍቀደካ።
ከምዚ ዝበለ ግልጋሎት እናተጠቀምካ እናሃለኻ ካብ ላቲቭያ እንተወፂኻ እቲ ግልጋሎት ይቋረፅ።
ብዛዕባ ብማሕበራዊ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ መኻርን ዝወሃብ ሓገዝ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ይርከብ።
Society Integration Foundation
Aspazijas bulvāris 24, 3rd Floor, Riga, LV-1050
ቁፅሪ ስልኪ: +371 67078226 (LV, EN, RU)
ኢሜይል: info@sif.gov.lv