ምርካብ መንበሪ ገዛን ዋግኡን
ንመንበሪ ገዛ ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለዩ ሳይታት ኢንተርኔት ብዝወፁ ኣድቨርታይዝመንት ብምርኣይ ወይ ብኤጄንስታት ሪል ስቴት ኣቢልካ በዓልኻ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። ዋጋ ክራይ መንበሪ ገዛ ብመሰረት መጠንን ኩነት እቲ ዝካረ ገዛን ዝርከበሉ ከባብን ዝተፈላለየ እዩ። ንኣብነት ኣብ ማእኸል ከተማ ዝካረ መንበሪ ገዛ ኣብ ወሰን ከተማ ካብ ዝካረ ገዛ ዝኸበረ እዩ። ኣብ ንሽተይ ከተማ ዝኽፈል ክራይ ገዛ ኣብ ዓብይ ወይ ሰፊሕ ከተማ ካብ ዝኽፈል ክራይ ገዛ ዝሓሰረ እዩ።
መጠባበቒ ዕቋር ክራይ ገዛ
መካረይ ገዛ ወርሒ ብዝኣተዉ ናይቲ ወርሒ ክፍሊትን ናይ ወርሒ ወይ ክልተ ወርሒ መጠባበቂ ክፍሊት ክራይ ገዛን ኣቀዲሙ ከምዝሓትት ኣስተውዕል። ንመጠባበቂ ዝኸፈልካዮ ናይ ወርሒ ወይ ክልተ ወርሒ ክራይ ካብቲ ገዛ ክትወፅእ እንተለኻ ተመሊሱ ይወሃበካ። ኣብ እዌንካ ገዛ ኽራይ ክትከፍል እንተዘይኪኢልካ ወይ ግቡእ ብዘይኮነ ኣገባብ ካብቲ ገዛ እንተለቂቅካ መካረይ ንመጠባበቂ ዝሓዞ ገንዘብ ናይ ምውሳድ መሰል ኣለዎ።
ፍቃድ ስደተኛነት ወይ ግዚያዊ ፅግዕተኛነት ከምኡ እውን ኣብ ላቲቭያ ናይ ምንባር ፍቃድ ምስ ረኸብካ ብቁልጠፍ ንመጠባበቂ ዕቋር ክራይ ገዛ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣመልክት። ነዚ ረብሓ ንምርካብ ናብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ዘግነትን ስደትን ዝኣቱ ደብዳበ (ማመልከቻ) ክትፅሕፍ ይግባእ። ኣብ ምፅሓፍ ደብደባን ምርካብን ንክሕግዘካ ንማሕበራዊ መኻሪኻ ተወከስ።
መጠን ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ ፦
- ንዓበይቲ – EUR 278.00,
- ኣመልከቲ ሰብኣይን ሰበይትን እንተኾይኖም ንሓዲኦም – EUR 278.00 ነቲ ካሊእ ኣመልካቲ ድማ EUR 194.00,
- ትሕቲ ዕድመ ንዝኾነ (ቆልዓ) – EUR 194.00.
ንቆልዓ ዝወሃብ ገንዘባዊ ድጋፍ ንምርካብ ካብ ክልተ ወለዲ ሓዲኦም ወይ ሕጋዊ ተወካሊ ነቲ ቆልዓ ወኪሎም ከመልክቱ ግድን እዩ።
ስምምዕ ክራይ ገዛ
ስምምዕ ገዛ ምስ መካረይ ገዛ ወድእ። ቅድሚ ውዕሊ ገዛ ኽራይ ምፍራምካ፣ እቲ ገዛ ዘለዎ ኣቅርቦት ከምዝተረደኣካ ርግፀኛ ኩን ።
ምፍላጥ እትነበረሉ ከባቢ
ኣብ ላቲቭያ ዝነብሩ ኩሎም ሰባት ዝነብርሉ ከባቢ ወይ ሰፈር ከፍልጡ ትፅቢት ይግበረሎም። እዚ ዝኾነሉ ምክንያት ከባብያውያን ሰብ መዚ ኮነ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት እታ ሃገር ምሳኻ ንክራኸቡ ከኽእሉ ምእንቲ እዩ። ብተወሳኺ ምግላፅ እትነብረሉ ከባቢ ምስ ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ስምምዕ ክትኣስር እንተደሊኻን ወይ ብቤት ማዘጋጃ ከተማ ዝወሃብ ከም ማሕበራዊ ድጋፍ ዝበለ ግልጋሎት ክትጥቀም እንተደሊኻ ኣድላይ እዩ።
እትነብረሉ ከባቢ ካብ ዝቀየርካሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዘ ክተፍልጥ ይግባእ። ሓደ ሰብ ዝነብረሉ ከባቢ እንተዘይኣፍሊጡ ክሳብ EUR 350 ዝበፅሕ ቅፃዓት ክቅፃእ ይኽእል እዩ።
ኣብ ላቲቭያ ናይ ምንባር ፍቃድ ዝረኸቡ ወፃእተኛታት በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተጠቂሞም ዝነበርሉ ከባቢ ከፍልጡ ይኽእሉ እዮም።
The Office of Citizenship and Migration Affairs
ቁፅሪ ስልኪ ንሓበሬታ: 8300
ኢሜይል: pmlp@pmlp.gov.lv
ንምፍላጥ መንበሪ ከባቢ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ዜግነትን ስደትን (OCMA) ብ ላቲቭያ፣ ራሽያን ኢንግሊዝ ን ምርካብ ይከኣል።
ምቅያር መንበሪ ከባቢ
ካብ ሓደ መንበሪ ከባቢ ናብ ካሊእ ኣብ እትቅይረሉ እዋን ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ኣስተውዕል።
- ናብ ሓዱሽ ገዛ ቅድሚ ምጉዓዝካ ውዕሊ ዝነበረካሉ ክራይ ገዛ ክቋረፅ ግድን እዩ። ቅድሚ ናብቲ ዝተኻረኻዮ ገዛ ምቅያርካ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ወይ ብመሰረት ተኣሲሩ ዝነበረ ውዕሊ ንመካረይ ክተፈልጥ ይግባእ።
- ቅድሚ ካብ ዝነበርካሉ ገዛ ምውፃእኻ ነቲ ገዛ ብዝግባእ ክተፅርዮ ግድን እዩ።
- ኣብ ውሽጢ ወርሒ ዝቀየርካሉ ሓዱሽ ከባቢ ክተፍልጥ ይግባእ።
ድጋፍ ቤት ከተማ ማዘጋጃ
ቤት ከተማ ማዘጋጃ ንድኸታትን ሚስኪናትን ዝኾኑ ሰባት ወፃኢታት ገዛ ኽራይ ብምሽፋን ክሕግዞም ይኽእል። ድኻ ዝበሃል ሰብ ናይ ዝሓለፉ ሰለስሰተ ኣዋርሕ ኣታዊኡ ብሕድሕድ ኣባል ቤተሰብ ካብ EUR 128.06 ዘይዛይድ ዝተቀመጠ ገንዘብ ዘይብሉን እዩ። ሚስኪን ዝበሃል ሰብ ድማ ኣታዊኡ ኮነ ማተርያላዊ ዓቕሙ ደገፍ ክገብረልኩም ብእተመልክትሉ ዘለኹም ቤት ምኽሪ ከተማ ማዛጋጃ ንሚስክንነት ካብ ዝተወሰነ ዘይዛይድ ዓቅሚ ዘለዎ ሰብ እዩ። ቤት ከተማ ማዘጋጃ ዝሕግዝ ነቶም ዝነብርሉ ከባቢ ኣብ ጥቀኦም ንዝርከብ ቤት ከተማ ማዘጋጃ ዘፍለጡ ሰባት ጥራይ እዩ።
መጠን ንገዛ ኽራይ ዝወሃብ ደገፍ ኣብ ፍልፍል ኣታዊታትን ደንብታት ክፍሊ ኣበል ሕድሕድ ኣብያተ ከተማ ማዘጋጃን ዝተደረኸ እዩ። እዚ ሓገዝ ዝግበአካን ዘይግበአካን ንምፍላጥ ካብ ንማሕበራዊ ግልጋሎት እትነበረሉ ቤት ከተማ ማዘጋጃ ወይ ንማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ብምሕታት ክትርዳእ ትኽእል ኢኻ። ካብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ዝርከብ ሓገዝ ምኽሪ ብስደተኛነት ወይ ግዚያዊ ፅግዕተኛነትነ ንምንባር ካብ ዝተፈቀደልካ ጀሚሩ ን12 ኣዋርሕ ዝወሃብ ናፃ ግልጋሎት እዩ።