ጉዳይ ቁፃር ስራሕ ብዝምልከት ስደተኛታትን ግዚያዊ ፅግዕተኛታትን ሓደ ዓይነት መሰላት ኣለውዎም። ናይ ክልቲኦም ክፍሊት ስራሕ ድማ ምስ ኣብ ላቲቭያ ዝቅመጡ ዘይደቂ ዓዲ ሓደ ዓይነት እዩ።
ባህሊ ስራሕ ላቲቭያ
ዘለዎም ስልጣን ብዘየገድስ፣ ሰራሕተኛታትን መመሓደርቲ ስራሕን ኣብ ምክብባር ዝተደረኸ ርክብ ክህልዎም ብዝተፈፀመ ውዕሊ ቁፃር ስራሕ ክግዝኡን ግድን እዩ። ሰራሕተኛታት ብመሰረት ዝኣሰርዎ ውዕሊ ስራሕ ስረሖም ክሰርሑን ብመካየዲ ስራሕ ዝወሃቡ ትእዛዛት ብዝግባእ ክግንዘቡን ከተግብሩን ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣስራሒ ኣካል ኣብ ውዕሊ ዝተገለፀ ክፍሊት ክኸፍልን ውሑስ ንጥዕና ሰራሕተኛ ኣብ ሓደጋ ዘየውድቅ ከባቢ ስራሕ ክፈጥር ግድን ይኸውን።
ኣብ ላቲቭያ ትሰርሕ እንተኾይንካ፣ ዝኣተኻዮ ቃል ምኽባር፣ ዝተውሃበካ ስራሕ ብእዋኑ ምውዳእን ኣብ ዝተቆፀርካዮ ሰዓት ምኽኣል ኣደልይቲ እዮም። ምድንጓይን ዝኣተኻዮ ቃል ወይ ውዕሊ ምጥሓስን ተቀባልነት የብሎምን። ብምኽንያት ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት ስራሕኻ ክትስእን ትኽእል ኢኻ።
ቅድሚ ምጅማር ርክብ ቁፃር ስራሕ
ቅድሚ ምጅማር ርክብ ቁፃር ስራሕ፣ ብዛዕባ ስራሕ ክትቁፀረሉ ዝደለካዮ ትካል እኹል መረዳእታ ክህልወካ ይግባእ። ነዚ ኣብ ኣብ ኢንተርኔት ዝተፈላለዩ መረበብ ሓበሬታት ብምእትው ብዛዕባ እቲ ትካል ዘድሊ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ኣብቲ ትካል ንዝሰርሑ ሰባት ብምሕታት እውን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስራሕ ኣልቦ ወይ ስራሕ ኣብ ምድላይ ከምዘለኻ ዝገልፅ መረዳእታ እንተለካ ድማ ምስ ኣማኻሪ ቁፃር ስራሕ SEA ብምዃን ናብ ቀፅሪ እቲ ትካል ብምቅራብ ወይ ብምእታው ምስቲ ትካል ክትላለ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ላቲቭያ ምስ ዘሎ ገዛኢ ደንቢ ርክብ ቁፃር ስራሕ ብፍላይ ሕጊ ቆፃር ሓይሊ ሰብን ሕጊ ኸለላ ወይ ድሕንነት ሓይሊ ሰብ ዝምልከት ሕግታትን ደንብታትን ክትፈልጥ ይግባእ። ቅድሚ ምጅማር ስራሕ፣ ንዘስርሕ ኣካል ብዛዕባ ኩነታት ስራሕን ንስራሕ ዘድልዩ ነገራትን ሕተት።
እንድሕር ብስራሕ ኣልቦ ወይ ኣላሺ ስራሕ ተመዝጊብካ፣ ኣማኻሪ SEA ወይ ካሊእ ነዚ ዝምልከት መንግስታዊ ኣማኻሪ ሕጊ ቁፃር ሓይሊ ሰብ ብዛዕባ መሰረታዊ ጉዳያት ሕጊ ቆፃር ሓይሊ ሰብ ከብራህረሀልካ እዩ።
ውዕሊ ቁፃር ስራሕ
ቅድሚ ርክብ ስራሕ ምጅማርካ ውዕሊ ስምምዕ ስራሕ ፈርም። ኣብቲ ውዕሊ ንዝግለፁ ሓሳባት ወይ ትሕዝቶታት ትኹረት ሂብካ ተረዳኣዮም። እቲ ውዕሊ እትሰርሐሉ ቦታ፣ መደብ ስራሕን ግዴታታትን፣ ሰዓታት ስራሕ፣ መሃያን ክፍሊ ዝፍፀመሉ እዋንን ክገልፅ ግድን እዩ። ካሊእ እቲ ውዕሊ ብኣኻን ብኣስራሒ ኣካልን ክፍረምን ብኽልተ ቅዳሓት ክዳሎን ይግባእ። ሓደ ቅዳሕ ድማ ምሳኻ ይቅመጥ። ውዕሊ ብቋንቋ ላቲቭያ ክዳሎ ግድን ይኸውን። ኣብ ቋንቋ ላቲቭያ ዘለካ ክእለት ትሑት እንተኾይኑ ኣስራሒ ኣካል ንዓኻ ብዝርደአካ ቋንቋ ክግለፀልካ ክገብር ግዴትኡ እዩ። ነቲ ዝተፃሕፈ ውዕሊ እንተዘይተረዲኡካ ወይ እንተዘይተሰማሚዕኻ ኣይትፈርም!
ድሕንነትን ጥዕናን ኣብ ስራሕ ቦታ
ሓዱሽ ስራሕ ክትጅምር ከለኻ ፣ ኣስራሒ ብዛዕባ እንታይ ክተሰርሕ ከምዘለካ፣ ብኣስራሒ ኣካል ቅቡላት ዝኾኑ መምርሕታት እንታይ ከምዝኾኑ፣ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ምስቲ ስራሕ ዝኸዱን ድሕንነት ንምሕላው ዘድልዩ ነገራት ዝምለከቱ ጉዳያት ወይ መምርሕታት ከቅርበልካ ወይ ክገልፀልካ ግድን እዩ። ብተወሳኺ፣ ምስቲ ስራሕ ዝተተሓሓዙ ጉድኣታትን መከላኸሊ እዞም ጉድኣታትን ክውሰዱ ዝግባእ ስጉምቲታትን ዝምለከት እኹል ሓበሬታ ክቀርበልካ ግዴታ እዩ።
ብSAE ኣቢልካ ስራሕ እንተረኺቢካ እሞ ምስ ኣስራሒ ብውልቅኻ ብላቲቭያ ወይ ንስኻን ዘስረሐካ ኣካልን ክትረዳድእሉ ብእትኽእሉ ካሊእ ቋንቋ ክተረዳዳእ እንተዘይኪኢልካ፣ ውዕሊ ኣብ ዝፍፀመሉ መዓልትን ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስራሕኻን ኣተርጓሚ ክምደበልካ ይኽእል እዩ። እዚ ግዴታታካን ንድሕንነት ዘድልዩ ነገራትን ብዝበለፀ ንኽትግንዘብ የኽእል።
ቅድሚ ስራሕ ምጅማርካ፣ ኩነታት ጥዕናኻ ምስቲ ትጅምሮ ስራሕ ዝሳነ ወይ ዘይሳነ ምዃኑ ንምርግጋፅ ኣብ ሕክምና ምርመራ ጥዕና ክተካይድ ይግባእ። ጥዕናኻ ጥዕና መሳርሕትኻን ከምኡ ድማ ድሕንነትካን ድሕንነት መሳርሕትኻን ንምሕላው ብኣስራሒ ኣካል ንዝተቐመጡ ደንብታት ምሕላው ድሕንነት ክትክተል ይግባእ!
ማዕረ መሰላት
ኣብ ስራሕ ቦታ ኣብ መንጎ ፆታ፣ ዜግነታት ዝህሉ ማዕርነት ክኽበር ግዴታ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብማዕረ ክረአያ ይግባእ። ንሓደ ዓይነት ስራሕ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማዕረ ዝኾነ ክፍሊ ክኽፈሎም ይግባእ። ወፃእተኛታትን ኣብ ላቲቭያ ዝነብሩን ብማዕረ ክረአዩ ግድን እዩ።
ዝተፈላለለ ደረጃ ትምህርቲ፣ ስራሕ ልምዲ ፣ ብቅዓት ቋንቋ ንዘለዎም ሰራሕተኛታት ዝተፈላለዩ ዕዮታት ምሃብ ኣድልዎ ኣይኮነን።
ክእለታት ቋንቋ
ስራሕ ክትደሊ ከለኻ ምልከት ቋንቋ ላቲቭያ ዝበለፀ ተጠቃሚ ክትከውን ይገበር። ይኹን ድኣምበር፣ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ላቲቭያ ዝርከቡ ኣስራሕቲ ሰራሕተኛታት ፍልጠት ኢንግሊዝ ወይ ራሽያ ክህልዎም ይሓቱ እዮም። ስለዝኾነ ናይዞም ዕድላትካ ብምስፋሕ ተጠቃሚ ንምዃን ንጡፍ ኩን!
ዝተሓተ ክፍሊት
ኣብ ላቲቭያ ንስሩዕ ስዓታት ስራሕ ኣስራሒ ንሰራሕተኛ ክኸፍሎ ይግባእ ተባሂሉ ዝተቀመጠ ዝተሓተ ክፍሊት ኣሎ። ልሙድ ሰዓታት ስራሕ ኣብ ሰሙን 40 ሰዓታት እዩ። ኣብዚ ግን ብመሰረት ናይ ቦታን መደብን ውሱን ኣፈላላይ ክህሉ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፣ ዝተሓተ ክፍሊት ዝለዓለ ክእለትን ብቅዓት ቋንቋን ንዘይጠልቡ ቀለልቲ ስራሕቲ ይኽፈል። ኣብ 2018 ኣብ ላቲቭያ ዝተሓተ ክፍሊት ታክሲ ከይተቆረፆ (ግሮስ ክፍሊት) EUR 430 እዩ። ኣብ ቀፀልቲ ዓመታት መጠን ዝተሓተ ክፍሊት ንኽውስኽ ትልሚ ተታሒዙ ይርከብ።
ብዛዕባ ህሉው ኩነት መጠን ዝተሓተ ክፍሊት ንምፍላጥ ዘድሊ ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ምርካብ ይከኣል። ንኣብነት፣ ካብ መረብብ ሓበሬታ ሚኒስቴር ድሕንነት ኣብ ላቲቭያ፣ ራሽያን ኢንግሊዝን ምርካብ ይከኣል።
ግብሪ መንግስቲ (ታክሲ)
ናይ ዝስረሖ ስራሕ ክፍሊት ዝቅበል ነብሲ ወከፍ ነባሪ ላቲቭያ ግብሪ መንግስቲ (ታክሲ) ክኸፍል ግድን እዩ። ሰባት ካብ ዝረኽብዎ ኣታዊ (23% ኣብ 2017) ግብሪ መንግስትን ብኣስራሒ ኣካል ዝኽፈል ኣገዳሲ መዋጮ ማሕበራዊ ኢንሹራንስን (10.5% ኣብ 2017) ክኸፍል ይግደድ።
ቆልዑ እነተለውኻ ሩፍታወይ ዕረፍቲ ግብሪ መንግስቲ ምጥቃም ይከኣል እዩ። እዚ ማለት ብተነፃፃሪ ካብቶም ቆልዑ ዘይብሎም ዝወሓደ ግብሪ መንግስቲ ትኸፍል ኢኻ ማለት እዩ። መጠን ሩፍታ ግብሪ መንግስቲ ብመጠን እትወስዶ መሃያን ኣብ ስድራ ዘለዉ በዝሒ ቆልዑን ይፈላለ እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ዝሰርሑ እንተኾይኖም ሩፍታ ግብሪ መንግስቲ ንሓዲኦም ጥራይ እዩ ዝሰርሕ።
ኣብ ላቲቭያ ኣብ 2018 ምምሕያሽ ቀረፅ ግብሪ መንግስቲ ክግበር ተተሊሙ ኣሎ። ብድሕሪ እዚ ኣብ መጠንን በዝሕን ግብሪ ምንግስቲ ለውጢ ክህሉው ይኽእል እዩ።
ብዛዕባ ቀረፅ ግብሪ መንግስቲ ላቲቭያ ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ግልጋሎት ኣታዊ መንግስቲ ብ ቋንቋ ላቲቭያ፣ ራሽያን ኢንግሊዝን ምርካብ ይከኣል።
ዕረፍቲ
ነብሲ ወከፍ ኣብ ላቲቭያ ዝርከብ ሰራሕተኛ ክፍሊት ዘለዎ ዓመታዊ ዕረፍቲ ናይ መርካብ መሰል ኣለዎ። ንውሓት ዓመታዊ ዕረፍቲ ካብ 4 ናይ ስራሕ ሰሙናት ዘይውሕድ ክኸውን ይኽእል።
ዓመታዊ ዕረፍቲ ተኸፋፊሉ ክወሃብ ይከኣል እዩ። ይኹንደኣምበር፣ ሓደ ክፋል ዕረፍቲ ካብ ክልተ ሰሙናት ዘይውሕድ ክኸውን ይግባእ።
ዓመታዊ ዕረፍቲ ዝገበኣካ ኣብ ሓደ ኣስራሒ ንተኸታታሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምስራሕ እዩ። ዓመታዊ ዕረፍቲ መኣዝ ክትወፅእ ከምትደሊ ምስ ኣስራሒኻን መሳርሕትኻን ክትሰማማዕ ይግባእ። ዕርፍትኻ ንድልየትካን ድልየት ኣስራሒኻን ኣብ ግምት ዘእቱ ወይ ዘማእኽል እዩ።
ሕማም
ብናይ ባዕልኻ ወይ ትሕቲ 14 ዓመት ብዝኾነ ውሉድካ ጥዕና ምስኣን ምኽንያት ካብ ስራሕ ተቡክር እንተኾይንካ ፣ ንኣስራሒኻ ኣቀዲምካ ኣፍልጥ። ብናይ ባዕልኻ ወይ ውሉድካ ሕማም ካብ ስራሕ ከምዝቦኾርካ ካብ ሓኪም መረጋገፂ ክትሕዝ ይግበኣካ። እዚ ምሕማምካ ወይ ውልድካ ከምዝሓመመ ዝገልፅ መረዳእታ ይበሃል። ነዚ ድማ ናብ ሕክምና ኬድካ ንኽወሃበካ ብምሕታት ወይ ንዘመዝገብካዮ ሓኪም ማሕበረሰብ (ናብ ገዛ ገዛ እናኸደ ዝሕክም) ብምውካስ ክርከብ ይከኣል።
ነዚ መረጋገፂ ወረቐት ዝህብ ሓኪም ነቲ ሕሙም ከስርሕ ዘይክእል ሕማም ከምዝሓመመ ከረጋግፅ ኣለዎ። ቀዳማይቲ መዓልቲ ሕማም ሓኪም ምርመራ ዘካይደላ እያ። ስለዝኾነ ምስ ሓኪም ብቅልጡፍ ምርኻብ የድሊ። ሓኪም ማሕበረሰብ ክበፅሐልካ ኣብ ዘይክእል ኣብ በዓል ወይ ቀዳመ ሰናብቲ እንድሕር ሓሚምካ ካብ ታረኛ ዝኾነ ሓኪም ምምሕማምካ ዝገልፅ መረዳእታ ወረቐት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ሆስፒታል እንተደቂስካ፣ ሓሚምካ ኣብ ሕክምና ከምዝነበርካ ዘረጋግፅ ወረቐት ሕክምና ወዲእኻ ካብቲ ሆስፒታል ክትወፅእ ከለኻ ይወሃበካ።
ብምኽንያት ጥዕና ምስኣን ኣብ ሕክመና ዝነበረ ሰብ ንሕክምና ዘውፀኦ ወፃኢ ይከሓሓሰሉ እዩ።
ኣስራሒ ብመሰረት መረጋገፂ ወረቐት ሕክምና ንናይ መጀመርያ 10 መዓልቲታት ሕማም ዝግባእ ጥቅማ ጥቅሚ ሕማም ይኸፍል። ንናይ መጀመርያ መዓልቲ ምርመራ ግን ዝወሃብ ጥቅማ ጥቅሚ ሕማም የለን። ብድሕሪ ቀዳማይ መዓልቲ ሕማም ናይ ዘለዉ መዓልቲታት ግን ኣስራሒ ብመሰራት ማእኸላይ ኣታዊ ሰራሕተኛ ብምስላሕ ዝግባእ ጥቅማ ጥቅሚ ይኸፍል።
ካብ 11 መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ እተሓዊ ናይ ዘሎ ግዜ ጥቅማ ጥቅሚ ሕማም ግን ብኣስራሒ ዘይኮነስ ብመንግስታዊ ኤጄንሲ ማሕበራዊ ኢንሹራንስ ይኽፈለካ። እዚ ካብ ዝሓመምካላ ቀዳማይቲ መዓልቲ ጀሚራ ክሳብ 26 ሰሙናት ዝሽፍን እዩ።
ኣብ ስራሕ ቦታ ዘጋጥም ዘይምርድዳእ
ምስ መካየዲ ስራሕ ዘይምጥዕዓም እንተጋጢሙካ፣ ምስ ኣተገባብራ ኣብ ውዕሊ ቁፃር ስራሕ ዝዛመድ ሽግር ወይ ብዛዕባ ኩነታት ስራሕ ምስ ኣስራሒኻ ብምልዛብን ብምዝርራብን ዘይተፈትሐ ፀገም እንተኣጋጢሙካ፣ ምስ the State Labour Inspectorate.
ሕቶ እንተሊኩም ቁጥሪ ስልኪ: 67186522, 67186523
ኢሜይል: vdi@vdi.gov.lv
K. Valdemara iela 38 k-1, Riga ተራኸብ።