ምዝገባ ኣበይን ብኸመይን ይካየድ?
ዓሚል ወይ ተጠቃሚ SEA ንምዃንን ስራሕ ኣልቦ ወይ ደላዪ ስራሕ ናይ ምዃን ኣፍልጦ ንምርካብን፣ ኣብ ላቲቭያ ኣብ ዝርከቡ 28 ኣብያተ ፅሕፈት SEA ክትምዝገብ ይግባእ። ንኸይዲ ምዝገባ ናብተን ኣብያተ ፅሕፈት ብኣካል ብምኻድ ወይ ኣብ ላቲቭያ፣ ኢንግሊዝ ወይ ራሽያ ናብ ዝርከብ ቁፅሪ ስልኪ + 371 25704510 ብምድዋል ቆፀራ ብምሓዝ ክኸውን ይኽእል። ምስ SEA ቆፀራ ንምሓዝ ሓገዝ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ሕተት። ቅድም ክብል ተታሒዙ ዝነበረ ቆፀራ ምኽባር ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ብSEA ኣቢሉ ምሳኻ ዝግበር ምርድዳእ ተርጓሚ ከድሊ ስለዝኽእል።
ከመይ ዝበሉ ሰነዳት ከቅርብ ይግበኣኒ?
- ብሃገርካ ዝተውሃበ ፓስፖርት ወይ መለለዪ ካርዲ
ፍቃድ መንበሪ ሪፓብሊክ ላቲቭያ፣ እንተሎ፤ ክተቅር ይግበኣካ።
ከይዲ ምዝገባ ከመይ እዩ?
ኣብ እዋን ቀዳማይ ረኽብኻ ንኣስራሒ SEA ብዛዕባ ትምህርትኻ፣ ክእለታትካ ስራሕ ልምድኻን ካብ ስራሕኻ እትፅበዮም ትፅቢታት ክትዛረብ ኢኻ። ምስ ኣማኻሪ SEA ብሓባር ብምዃን ናይ ውልቅኻ ተግባራዊ ትልሚ ምድላይ ስራሕ፣ ክውሰዱ ዝግባእ ትምህርቲታት (ኮርስታት)፣ ክፍቲ ስራሕ ቦታ ወይ ካልኦት ብSEA ዝወሃቡ ድጋፍ ግልጋሎታን ዕለትን ሰዓትን ቀፃላይ ምምፃእኻ ክተዳሉ ኢኻ።
ወላኳ ስራሕ ብውልቅኻ ክትደሊ ከመዘለካ ግድን ምዃኑ ክትፈልጥ ግቡእ እንተኾነ፣ ኣማኻሪ SEA ኣብ ምርካብ ጠቀምቲ ክፍቲ ስራሕ ቦታ ክሕግዘካ እዩ። ስራሕ ከመይ ከምትደሊ እንድሕር ዘይትፈልጥ ፣ ኣማኻሪ SEA ካበይ ክትጅመር ከምዘለካ ክሕግዘካ እዩ።
ስራሕ ከምዘይብለይ ኣፍልጦ ንምርካብ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ይውደኣለይ?
ነዞም ዝስዕቡ ነገራት እንተኣማሊእኻ፣ ኣፍልጦ ስራሕ ኣልቦነት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝወሃብ እዩ።
- ዕድሜኻ ኣብ ናይ ስራሕ ዕድመ (15-63 ዓመታት) እንተኾይኑ
- ስራሕ እንተዘይብልካ፣
- ኣብ ንግዳዊ ስራሕቲ ንጥፈታት ዘይተዋፈርካ እንተኾይንካ
- ኣብ ቀዳማይ ብርኪ፣ ካልኣይ ብርኪ ወይ ኣብ ሞያን ቴክኒክን ናይ ምሉእ ግዜ ተምሃራይ እንተዘይኮይንካ
- ኣድለይቲ ሰነዳት ኩሎም ምሳኻ እንተለዉ