SEA ስራሕ ንምርካብ ወይ ናይ ባዕልኻ ስራሕ ንምክያድ ዝሕግዙ ናይ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ስልጠናታት፣ ሰሚናራት፣ ገለፃዊ ትምህርቲ (5–36 ሰዓታት ትምህርቲ) ወዘተ ይህብ። ንኣብነት፣ መሰረታዊ ኣተሓናፅፃ ትልሚ ንግዲ ስራሕ፣ ንግዳዊ ንጥፈት፣ ምምዕባል ክእለታት ቋንቋ ላቲቭያ፣ ኣጠቃቅማ ግልጋሎት ኢንተርኔት (e-services)፣ ሕጊ መዓልታዊ ስራሕ፣ ስራሕቲ ሒሳብ ብ SEA ካብ ዝወሃቡ ስልጠናታት ውሱናት ኣብነታት እዮም። ብዛዕባ እዞም ስልጠናታት፣ ትምህርታዊ ገለፃታት፣ ሰሚናራትን ግቡእ ሓበሬታ ንምርካብ ንኣኻሪ ቁፃር ስራሕ ተወከስ።
ኮርስታት፣ ሰሚናራትን ትምህርታዊ ገለፃታትን ብቋንቋ ላቲቭያ እዮም ዝወሃቡ።