ኣብ ቋንቋ ላቲቭያ ዘለካ ብቅዓት ብዝግባእ ከረዳደአካን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ትምህርቲ ከቀፅለካ ዝኽእል እንተኾይኑን ንስኻ እውን ሞያዊ ትምህርቲ ናይ ምቅፃል ወይ ሓዱሽ ሞያ ናይ ምምሃር ድልየት እንተለካ፣ ኮርስታት ሞያን ቴከንክን ብምውሳድ ካብ ዝተፈቐዱ ዓይነታት ሞያዊ ስልጠና ኣብ ሓዲኦም ተግባራዊ ክእለታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፣ ስፌታ፣ ሃናፂ፣ ስራሕቲ ጣውላ፣ ስራሕቲ ምብያድ ሓፂነ መፂንን ሓጋዚ ከሻንን ዝኣምሰሉ ሞያዊ ስልጠናታት ምክትታል ይከኣል። ነዞም ሞያዊ ስልጠናታት ብዝግባእ ተማሂርካ እንተወዲእኻ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝሰልጠንካዮ ሞያ ክትሰርሕ ብቅዓት ከምዘለካ ዝገልፅ ሰርቴፊኬት ይወሃበካ።
ብሓደ ዓይነት ሞያ ሰልጢንካ እሞ ንዝሰልጠንካዮ ሞያ ክተማዕብሎ እንተደሊኻን ኣብ ቋንቋ ላቲቭያ ዘለካ ብቅዓት ብዝምልከቶ ኣካል እንተተረጋጊፁ፣ SEA ኮርስታት ስፌታ፣ ምስንካት ባኒ፣ ምስራሕ ፀጉርን ማሕበራዊ ምሕጋዝ ዓበይትን ህፃናትን ይህብ እዩ። ኣብ መወዳእታ ስልጠና ድማ ዝውሰድካዮም ኮርስታት ከስርሑኻ ከምዝኽእሉ ዝገልፅ ሰቴፊኬት ይወሃበካ።
ምስ ኣማኻሪ SEA እትገብሮ ዝርርብ ወይ ርክብ፣ ኣይኖት ኮርስታት ሞያኻን ህይወትካ ንምምዕባል ብዝበለፀ ከምዝሕጉዙኻን ንምውሳንን እቶም ኮርስታት መዓዝ ከምዝወሃቡ ንምፍላጥን ይሕግዘካ። ምኽንያቱ ናይ ገለ ገለ ኮርስታት ተዳላይነቶም ልዑል ስለዝኾነ ተመዝጊብካ ምፅባይ ስለዘድሊ።
ብተወሳኺ SEA ዕድል ምምዕባል ወይ ምምሃር ክእለት ኮምፒተርን ምድብ Cን Dን ከምኡ እውን ፍቓድ መዘወሪ ትራክተር ኣብ ምውፃእ የመቻቹ እዩ።
ዝኾኑ ኮርስታት ትመሃር ወይ ትከታተል እንተለኻ ፣ ብስደተኛነት ወይ ብግዚያዊ ፅግዕተኛነት ካብ ዝወሃብ ጥቅሚ ብተወሳኺ ስልጠና ኣብ እትወስዶ እዋን ብመዓልቲ ናይ ስኮላርሺፕ EUR 5 ይኽፈለካ።